ብዛዕባቨርምድኦ
ኣብ ቨርምድኦ: ካብ ምሉእ ሽወደን ዚበዝሓ ደሴታት: ሓውሲ-ደሴታትን: ከውሓውያን ደሴታትን ኣለዋ። ቨርምድኦ ካብ ውሽጢ ክሳብ ደገ ምስ እኩባት ደሴታት ስቶክሆልም ክትጽብጸብ ትኽእል። ነዝን: ህዝባዊ መጓዓዝያ ካብ ስቶክሆልም 20 ደቓይቕ ጥራይ ስለ ዚወስድን ድማ ንብዙሓት ናብ ቨርምድኦ ኪግዕዙ ምኽንያት ይኾኖም። ብሚእታዊ እንተ ርኢናዮ: ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 30 ዓመታት: ቨርምድኦ ኮሙን እታ ካብ ኮሙናት ሽወደን ዝዛየደ ምውሳኽ ህዝቢ ዝተራእየላ ኮሙን’ያ።
እዚ ምዕባለ’ዚ: ኣብ ከባቢ ማእከል ታሪኸ-ኢንዱስትርያዊ ቦታታት ጉስታቭስበሪ: ሰሓብትን ፍሉያትን መንበሪ ቦታታት ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ከም ዚህነጹ ጌሩ’ሎ። ክሳብ 2025 ዓ. ም. ብጠቕላላ 2300 ሓደስቲ ገዛውቲ ኪህነጹ’ዮም።
ሎሚ ኣብ ቨርምድኦ ካብ 39000 ዚዛይዱ ተቐማጦ ኣለዉ። እዚ ብዝሒ ህዝቢ’ዚ: ኣብ’ዞም ዚመጹ 15 ዓመታት ብ 10000 ኪውስኽ ትጽቢት ይግበረሉ።
ናብ ቨርምድኦ ብቐሊሉ ብመኪና: ብኣውቶቡስ ወይ ብጃልባ ክትጎዓዝ ትኽእል። ካብ ከተማ ስቶክሆልም ኣውቶቡስ ቍጽሪ 222 ወሲድካ ኢኻ ናብ ቨርምድኦ ትመጽእ። እቲ መንገዲ ኣብ’ቲ ትራፊክ ጃልባታት ዚራኸበሉ ስታቭስነስ ቪንተርሃምን (Stavsnäs Vinterhamn) ዚበሃል ቦታ ይውዳእ።
ናብ ቨርምድኦ ዚኸዳ ኣውቶቡሳት ኣብ ስቶክሆልም ካብ ዚርከብ ስሉሰን ዚበሃል ቦታ ይነቕላ። ቍጽረን ከኣ ብ4 ይጅምር። ኣውቶቡስ ጌርካ ናብ ዚበዝሑ ብመሬት ኪብጽሑ ዚኽእሉ ቦታታት ክትከይድ ትኽእል።
SL External link, opens in new window. - ትራፊክ ኣውቶቡሳት
Waxholmsbolaget External link, opens in new window. - ትራፊክ ጃላቡ
ሓበሬታ ቱሪስት
Visit Skärgården External link, opens in new window.
ስዊድን አብ ቤት ማዘጋጃታትን ክልላዊ ቤት ምኽሪታትን (County Councils) ዝተኸፋፈለት እያ፡፡ እዚኦም፤ ሓላፍነታት መንግስቲ ስዊድን ዘይኮኑ ዋኒናትን ንጥፈታትን ህዝባዊ ረብሓ ይፍፅሙ፡፡ ሕጊ ከባብያዊ ምምሕዳር፤ እቶም ቤት ማዘጋጃታትን ክልላዊ ቤት ምኽሪታትን (County Councils) ክገብርዎ ዝግብኦምን ዘይግብኦምን ይቆፃፀር፡፡ አብ ስዊድን 290 ቤት ማዘጋጃታት አለዉ፡፡ ቬርምዶ ካብአቶም ሓንቲ እንትትኾን 39 000 ተቐማጦ አለውዋ፡፡ ስቶክሆልም እታ ዝዓበየት እንትትኾን 900 000 ተቐማጦ አለውዋ፡፡ እታ ማእኸለወይቲ ቁፅሪ ዘለዋ እትበሃል ቤትማዘጋጃ ኸባቢ 15 000 ተቐማጦ አለውዋ፡፡
እቲ ቤት ማዘጋጃ ከባብያዊ በዓል ስልጣን እዩ፡፡ አብ ስዊድን ዘለዋ እተን ዝዓበያ ከተማታትን ቤት ማዘጋጃታትን ኩሉሻብ ንባዕለን ከተማ እናበላ ይፅወዓ፡፡
አብነታት ቤት ማዘጋጃታት ሓላፍነት ዝወስዱሎም ዘፈራት ቀፂሎም አለዉ፡
– አፀደ ህፃናትን ናይ ትሸዓተ ዓመት ግዴታዊ አብያተትምህርቲን
– ላዕለዎት ካልአይ ብርኪ አብያተ ትምህርቲ
– ምሕብሓብ አረጋውያን
– ምሕብሓብ ጉዱኣት ኣካል
– ሓገዝ ፅገና
– ቤተ ንባብ
– ፕላንን ህንፃን
– ሓለዋ ከባቢን ጥዕናን
– ማይ
– ምውጋድ ረሳሕ ፈሳሲ
– ምፅራይ ጎደና
– ጉሓፍ
– ግልጋሎት ግዘ ሓደጋን ምድሓንን
ካብዚ ብተወሳኺ፤ እቲ ቤት ማዘጋጃ ንረብሓን ልምዓትን ሕብረተሰብ ካልኦት ስራሕቲ ይሰርሕ፡፡
ምስ መብዛሕቲአን ካልኦት ሃገራት እንትነፃፀር ከባብያዊ ዓርሰ ምምሕዳር አብ ስዊድን ምዕቡል እዩ - ሕድሕድ ቤት ማዘጋጃ ብዛዕባ ናይ ዓርሱ ንጥፈታት ንክውስን ዓብዪ ናፅነት አለዎ፡፡
መንግስቲ፤ ቤት ማዘጋጃታት ክንዲ ዝተኽአለ መጠን ብዛዕባ ናይ ዓርሶም ንጥፈታት ንክውስኑ ይደልዮም፡፡ ብኻሊእ ወገን፤ መንግስቲ ነቶም ቤት ማዘጋጃታት ዘመሓድሩ ሕግታት ይውስን፡፡
መጠን ከባብያዊ ግብሪ ናይ ምውሳንን ግብሪ ናይ ምእካብን መሰል አብ ስርዓተ ምሕደራ እቲ ጠቓሚ ኩነታት እዩ፡፡ ናይ ቤት ማዘጋጃታት ዋና ፍልፍል አታዊ፤ ዳርጋ 60 ምኢታዊ፤ ካብ ከባብያዊ ግብሪ ዝርከብ እዩ፡፡ ስለዝኾነ፤ ናይ ቤት ማዘጋጃታት እቲ ሓደ ወሳኒ ዕዮ ንተቐማጦ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር እዩ፡፡ አቶም አብቲ ቤት ማዘጋጃ ዝተመዝገቡ ወይ ንብረት ዝውንኑ ተቐማጦ፤ አባላቱ እዮም፡፡
ህዝቢ ምምሕዳራዊ ሰነዳት ናይ ምርካብ መትከል፤ ንኹሎም ዜጋታት ሰዊድንን ወፃእተኛታትን ካብ ህዝባውን ምምሕዳራውን ሰነዳት ክርብሑን ክሳተፉን መሰል ይህቦም፡፡ ሕድሕድ አባል ናይቲ ቤት ማዘጋጃ ብምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ክልል (County Administrative Court) ዝርአዩ ውሳነታት ሕጋውነት ናይ ምርካብ መሰል ውን አለዎ፡፡
አብ ቤት ማዘጋጃታት ዝርከብ ከባብያዊ ዴሞክራሲ ጠቓሚ አካል ዴሞክራሲ ስዊድን እዩ፡፡ ሕድሕድ ቤት ማዘጋጃ፤ ወኪላት ፖለቲካዊ ፓርቲታት ዘለውዎ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ (City Council Assembly) አለወን፡፡ እቲ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ (City Council Assembly) ን ፈፃሚ ኮሜቴ (City Executive Committee)ን ንካልኦት ኮሚቴታትን ይስይም፡፡
ጠቕላላ ምርጫ ፓርላማ፤ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ (City Council Assembly)ን ቤት ምኽሪ ክልል (County Council)ን በብ አርባዕተ ዓመቱ ብተመሳሳሊ መዓልቲ ይካየድ፡፡
ምምሕዳር ኮሙን ዚኽፈተሉ ሰዓታት ካብ ሰኑይ-ረቡዕ ሰዓት 8-17: ሓሙስ ካብ ሰዓት 8-19: ዓርቢ ኸኣ ካብ ሰዓት 8-13 እዩ።
ቨርምድኦ ኮሙን
ስልኪ:- 08-570 470 00
ፋክስ:- 08-57048305
ኣድራሻ ቡስጣ:- 134 81 Gustavsberg
ኣድራሻ ምምሕዳር ኮሙን:- Skogsbovägen 9-11, Gustavsberg
ኣድራሻ ኢ-መይል ኮሙን:- varmdo.kommun@varmdo.se
ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት - ኣብ ማእከል ጉስታቭስበሪ ኣብ ቨርምድኦ ዚርከብ ቤ/ጽ ካስ Centrum för arbete och studier (CAS)።
ቤ/ጽ ካስ CAS: ስልኪ:- 08/570 483 31
ጊዜ ስልኪ:- ሰኑይ - ዓርቢ: ሰዓት 08.00 -11.30 ኣድራሻ:- Skärgårdsvägen 7, 134 30 Gustavsberg.
ቤ/ጽመራኸብቲ-ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ኣብቨርምድኦ ሰዓታት ስራሕ:- ሰኑይ - ዓርቢ: ሰዓት 8.00-16.30 ኣድራሻ:- Skärgårdsvägen 7, Gustavsberg
ውሕስነት ካሳ ንስድራ ቈልዑ: ንሕሙማትን ምግደራ ንዘለዎም ሓገዝ ኣብ ምሃብ ሓላፍነት ይወስድ። ብተወሳኺ’ውን ጥሮታ: ውሕስነት ወላድን ሓገዝ ክራይ-ገዛን ይከፍል።
ስልኪ:- 0771 524 524
አብዚ፤ ብዛዕባ ሓገዝ ተምሃራይ ሰዊድን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሓፈሻዊ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል፡፡
እዚ መካነ-መርበብ’ዚ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን መንበሪ ፍቓድ ዝወሰዱ ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም ዚቕመጡ ዚምልከት’ዩ። እዚ መካነ-መርበብ ነቶም ማሕበረሰብ ሽወደን ብኸመይ ከም ዚሰርሕ ኪፈልጡ ሓበሬታ ዚደልዩን: ኣብ ዝተፈላለዩ ጕዳያት ኣበይ ሓገዝ ከም ዚረኽቡን ዘርኢ ሓባር-መንገዲ’ዩ።
እዚ መካነ-መርበብ’ዚ ኣብ ሽወደን ጋሻ ምዃን ከመይ ከም ዚኾነ ዚነግር’ዩ። ኣብ ሽወደን ሓድሽ ገሻ ከለኻ ግድን ክትሓስበሎም ዘድልየካ ነገራት ኣለዉ። ኣብ ቤ/ጽ ግምጃ-ሃገር (ስካተቨርከት) ምምዝጋብ የድልየካ። ኣብ ሽወደን ካብ ዚርከብ ማሕበራዊ ስርዓተ-ውሕስነት ክትካፈል ክትክእል’ውን ኣብ ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ ክትምዝገብ ኣለካ።
ቤ/ጽ ኣማኸርቲ ኣቝሑ ሃልኪ (Konsumentrådgivningen) ኣብ ዝተፈላለዩ ንሃልኪ ዚምልከቱ ሕቶታት ይሕግዘካ። ኣቕሓ ዕድጊ ኣብ ትገብረሉ እዋን እንተ ኣታሊሎምኻ: ወይ ንዝዓደግካዮ ኣቕሓ ክትመልስ እንተ ደሊኻ: ከምኡ’ውን እቲ ዚግበር ውዕል ኪርድኣካ ካብ ኣማኸርቲ ሃልኪ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ቨርምድኦ ክትቅመጥ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንምርካብ ነዞም ዚስዕቡ ተወከስ:-
ንስዊድን ሓዱሽ እንተኾይንካ፤ ግልጋሎት ስራሕ ስዊድን (Swedish Employment Service) ስራሕ ንክትረክብን ብቐፃሊ ንክህልወካን ዝተፈላለዩ ዕድላት ከቕርበልካ ይኽእል፡፡
Sfi (ስዊድንኛ ን ስደተኛታት) አፍ መፍትሒ ቋንቆኦም ካብ ስዊድንኛ ወፃኢ ንዝኾኑ ዓበይቲ (ዝአኸሉ) ስደተኛታት ዝወሃብ መሰረታዊ ትምህርቲ ቋንቋ ስዊድንኛ እዩ፡፡
ነዚ ትምህርቲ ስዊድንኛ ን ስደተኛታት፤ አብ ቬርምዶ ወይ ናካ ዝተመዝገብካ እንተደአ ኾይንካ አብ CAS (ማእኸል ስራሕን ትምህርቲን) ክትመሃሮ ትኽእል፡፡ እዚ ትምህርቲ፤ አርባዕተ ዝተፈላለዩ ኮርስታት ዝሓዘ እዩ፡ A፣ B፣ Cን Dን፡፡ በየናይ ኮርስ ከምእትጅምር ብዘለካ ድሕረባይታ ትምህርቲን ብዘለካ ክእለት ቋንቋ ስዊድንኛን እዩ ዝውሰን፡፡ ንSfi D እንትትዛዝም፤ ብዝተፈላለዩ ደረጃታት ስዊድንኛ ከም ቋንቋ ወፃኢ ምምሃር ክትቅፅል ትኽእል ኢኻ፡፡ ከምኡ ውን፤ ናይ ቋንቋ ስዊድንኛ ትምህርትኻ ምስ ካልኦት ኮርስታት ክተጣምሮ ትኽእል፡፡ አብ CAS (ማእኸል ስራሕን ትምህርቲን) Sfi እንትትመሃር፡
– ውልቃዊ ስርዓተ ትምህርቲ ትረክብ – ብቐጥታ ትምህርትኻ ትጅምር – ብመዓልታዊ ወይ ምሸታዊ ትመሃር – ስዊድንኛ ምርዳእ፣ ምንባብ፣ ምዝራብን ምፅሓፍን ትመሃር – ብዛዕባ ሕብረተሰብ ስዊድን ጠቓሚ ሓበሬታ ትረክብ – መሰረታዊ ክእለት ኮምፒዩተር ትረክብ – ሓፈሻዊ ብቕዓትካ ዘርኢ ፖርቶፎልዮ ክእለት ትፅሕፍ
ኣብ ቨርምድኦ ኣብ ትምህርቲ ኤሰፊ (ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት) ክትጅምር: ኣብ ቨርምድኦ ኮሙን ዝተጸሓፍካን: እተን ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ ኣሃዛት መለለዪ ቍጽሪ መንነት (ፐርሾንኑመር) ዝወሰድካን ክትከውን ኣለካ።
ንትምህርቲ ኤሰፊ ብቐጻሊ ምዝገባ ነካይድ። ምስ መማህራን ውልቃዊ መደብ ትምህርቲ ክትገብር ናብ ማእከል ጉስታቭስበሪ ኣብ ቨርምድኦ ዚርከብ ቤ/ጽ ካስ Centrum för arbete och studier (CAS) ደዊልካ ቈጸራ ሓዝ።
ቤ/ጽ ካስ (CAS): ስልኪ:- 08/570 483 31
ሰዓታትስልኪ:- ሰኑይ - ዓርቢ: ሰዓት 08.00 -11.30 ኣድራሻ:- Skärgårdsvägen 7, 134 30 Gustavsberg.
ሓድሽ ዝገዓዝካ እንተ ኾይንካ: ኣብ ቨርምድኦ ከም ዝተመዝገብካ ዘርኢ ምስክር ልደት (ፐርሾንበቪስ) ተማላእ። ኣብ ካልእ ኮሙን ተመሃራይ ኤሰፊ እንተ ኔርካ’ውን ምስክር ወረቐትካ ምስኻ ተማልኣዮ።
ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን - ሃገራዊ ወኪል ትምህርቲ (Skolverket External link, opens in new window.)። ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ብኸመይ ከም ዚሰርሓ ኣብ’ዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ትረክብ። (ሌንክ)
ላዕላይ ደረጃ ትምህርቲ - Högskoleverket External link, opens in new window.
ኣብ ሽወደን ክትቅመጥ ዘድሊ መንበሪ ፍቓድ - ከመይ ጌርካ መንበሪ ፍቓድ: ፍቓድ ስራሕ: ዕቝባ ወይ ዜግነት ከም ትሓትት ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ ንቦርድ ሚግረሽን (Migrationsverket External link, opens in new window.) ተወከስ።
ቨርምድኦ ኮሙን: ከከም ኣድላይነቱ: ንስራሕን ትምህርትን ወለዲ ወይ ድሌት ቈልዓ ኣብ ግምት ብምእታው: ንዅላቶም ካብ 1-6 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ንጥፈት ትምህርቲ የበርክት። ሓልዮት ትምህርቲ ቈልዑ ንዅላቶም እቶም ክሳብ 12 ዓመት ዝዕደመኦም ቈልዑ ይምልከት (ቤ/ት ህጻናት: መባእታዊ ቤ/ት: ፍሉይ ቤ/ት)። ቨርምድኦ ኮሙን ነቶም ወለዶም ዚሰርሑ ወይ ዚመሃሩ ቈልዑን ነቶም ትምህርቲ ዘድልዮምን ንጥፈት ትምህርቲ ይህብ።
ቤ/ት ህጻናት ቈልዑ 6 ዓመት ምስ መልኡ ዚወሃብ ግዴታዊ ዘይኮነ ዓይነት ትምህርቲ እዩ። ትምህርቲ ህጻናት በተን ኣብ’ታ ኮሙን ዘለዋ መባእታውያን ኣብያተ ትምህርቲ’ዩ ዚካየድ።
ምልክታ ክንክን ቈልዓ ብመካነ-መርበብ ኮሙን ምእታው ይከኣል’ዩ። ንኢ-መይል barnomsorgsfragor@varmdo.se ተጠቒምካ ወይ ብቝጽሪ ስልኪ 08-570 482 28 ደዊልካ ምሕታት’ውን ይከኣል’ዩ።
ኣብ ቨርምድኦ ኮሙን ዓሰርተ ሰለስተ ኮሙናውያንን ኣርባዕተ ብሕታውያንን ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ። እቶም ካብ 6-15 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ዘለዎም ወለዲ: ደቈም ኣበየኖት ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዚመሃሩ ኪመርጹ ዕድል ኣለዎም። እዚ ግን ነቲ ዘሎ ናጻ ቦታ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ማለት’ዩ።
መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ንዅላቶም ካብ 7-16 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ግዴታዊ’ዩ። ኣብ መባእታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዚወሃብ ትምህርቲ: ንዅላቶም ተመሃሮ:ኣብ ማሕበራዊ መነባብሮ ኪሳተፉ ዘድልዮም ፍልጠትን ብቕዓትን ኪህቦምን: ንቐጻሊ ትምህርቲ መሰረት ኪኾኖምን ተባሂሉ’ዩ ዚወሃብ። ኣብ ትምህርቲ ጸገም ንዘለዎም ተመሃሮ ፍሉይ ሓገዝ ይወሃብ። ቤት ትምህርቲ ካብ ክፍሊት ናጻ’ዩ፣ ንሓደ-ሓደ ዘድሊ ነገራት ግን መጠኑ ውሕድ ዝበለ ገንዘብ ምኽፋል ኬድሊ ይኽእል’ዩ። ትሕዝቶ ትምህርቲ: ብስርዓተ-ትምህርትን ንዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ብዚወጽእ መደብን ይምራሕ። ውልቃዊ ግምገማ ምዕባለን (Individuella utvecklingsplaner) ጽሑፋዊ መምዘንን (skriftliga omdömen) ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመተ-ትምህርቲ ይወሃብ። ካብ 8ይ ክፍሊ ድማ ነጥቢ ትምህርቲ ይወሃብ።
ኵላቶም መባእታዊ ትምህርቲ ዝፈጸሙ ሽወደናውያን መንእሰያት: ሰለስተ ዓመት ዚወስድ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኪወሃቦም መሰል ኣለዎም። ትምህርት ካልኣይ ደረጃ ንሙያዊ ስራሕ: ንቀጻሊ ትምህርቲ: ንውልቃዊ ምዕባለን ንንጡፍ ተሳትፎ ማሕበራዊ ናብራ መሰረት የንብር። ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ን3 ዓመት ዚቕጽላ 18 ፕሮግራማት ትምህርቲ ምምራጽ ይከኣል።
ዕላማ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዚወሃብ ትምህርቲ ቋንቋ’ደ: ካልእ ቋንቋ’ደ ዘለዎ እንተ ወሓደ ሓደ ወላዲ ንዘለዎም ተመሃሮ ወይ ርዑማት ቈልዑ (adoptivbarn): ምስ ካልኦት ኮይኖም ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ’ዲኦም ዘለዎም ፍልጠት ኬማዕልብሉ ዕድል ምሃብ’ዩ።
ንትምህርቲ ቋንቋ’ደ ዚምከቱ ሕቶታት ናብ:- Linda Grönlund ስልኪ:- 070-4130426 linda.gronlund@varmdo.se
ዘለካ ብቕዓት ትምህርቲ ኣብ ሽወደን ብኸመይ ከም ተምዝን ሓገዝ ክትረክብ ምስ’ዚ ዚስዕብ ርክብ ግበር:-
ኣብ ማእከል ጉስታቭስበሪ ኣብ ቨርምድኦ ዚርከብ ቤ/ጽ ካስ Centrum för arbete och studier (CAS)
ቤ/ጽ ካስ CAS: ስልኪ:- 08/570 483 31
ጊዜ ስልኪ:- ሰኑይ - ዓርቢ: ሰዓት 08.00 -11.30 ኣድራሻ:- Skärgårdsvägen 7, 134 30 Gustavsberg.
ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (ኤሰፊ) Svenska för invandrare (SFI) External link.
ዕማም ማሕበራዊ ኣገልግሎት: ብምኽንያት ኣካላዊ ምግደራ: ማሕበራውን ቍጠባውን ጸገም ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ኣገልግሎትን ደገፍን ምሃብ’ዩ። እዚ ዚወሃብ ደገፍ: ንትሕዞ: ዕድላትን ድላይን ውልቃውያን ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ መልክዕ ዚሕዝ።
ድሕሪ ሰዓታት ስራሕ ህጹጽ ጕዳይ ዘለዎ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ቨርምድኦ ኮሙን ርክብ ኪገብር ይኽእል’ዩ:-
ስልኪ ብቐትሪ:- 08-570 470 00። ስልኪ ምሸትን ቀዳመ-ሰንበትን:- 08-570 307 20።
ኣገልግሎትደቀንስትዮናካቨርምድኦ
ንኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን በደል ዝተቓላዕክን ደቀንስትዮ ይሕግዝን ደገፍ ይህብን።
ስልኪ:- 08-601 95 72: ኢ-መይል:- nackavarmdo.kvinnojour@telia.com
ስልኪ ብቐትሪ:- 08-570 485 66። ስልኪ ምሸትን ቀዳመ-ሰንበትን:- 08-570 307 20
ክፍሊ ክንክን ኣረጋውያን: ልዕሊ 65 ዓመት ንዝዕድመኦም ዚወሃብ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝሓዘ ክንክንን ኣገልግሎትን ኣብ ምቕራብ ሓላፍነት ይወስድ። እቲ ዕላማ: ለይትን ቀትርን: ንኣረጋውያን ሓልዮትን ክንክን ብምሃብ ዋላ’ ኳ እንተ ሓመሙን እንተ ተመግደሩን ኣብ ገዛእ ገዝኦም ኪቕመጡ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ነቶም ዓብይን ሰፊሕን ክንክን ስለ ዜድልዮም ኣብ ገዝኦም ኪቕመጡ ዘይክእሉ ፍሉይ መንበሪ የበርክት።
ናብ ሽወደን ብዘይ ወላዲ ዚመጹ ቈልዑ ዚውክሎም ብዓል-ሕድሪ የድልዮም። ብዓል ሕድሪ ምምዛዝ ናይ ኮሚቴ ሕድሪ (överförmyndarnämnden) ዕማም’ዩ። ዕማም ብዓል-ሕድሪ/ኣመሓዳሪ ከኣ መሰላት ቈልዓ ምክልኻል’ዩ። ንኣብነት ኣብ ትካላት መንግስቲ ኣብ ዚግበር ምልክታታትን ይግባይን: ነቲ ቈልዓ ምውካል ዚርኢ ኪኸውን ይኽእል።
Dela: